Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ሓድነት ንኽጥንክር ኢትዮጵያ እናተፃወተቶ ትርከብ ሓላፍነት ክትቅፅለሉ ኢያ – ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ሓድነት ንኽጥንክር ኢትዮጵያ እናተፃወተቶ ትርከብ ሓላፍነት ክትቅፅለሉ ኢያ ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ቡሩንዲ ዝተሰናደአ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ሕውነት ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣይተ በቀለ ሁሪሳ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ዝፀንሐ ናይ ነዊሕ ዘበን ርክብ ብምዝኽኻር፤ እተን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ሰላም ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብፍላይ ሓድነት ኣፍሪካን ሕድሕዳዊ ርክብን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበፅሕ÷ ኢትዮጵያ ናይ መሪሕነት ግደኣ ከምትፃወት ኣገንዚቦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ፍስሃ ሻውል ብግደኦም÷ ኣፍሪካዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ናፅነት ንምጉንፃፍ ምሕዝነት ሃገራት ኣፍሪካ ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቡሩንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዊሊ ኛሚቱዊ÷ ፓን ኣፍሪካኒዝም ሓበራዊ ልምዓትን ምትሕብባርን ብምግባር ንሕልሚታት ኣፍሪካ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.