Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 100 ሽሕ ዛዪዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋፀ ሰባት 103 ሺሕን 875 በፂሑ።

ካብዚኦም እቶም 3 ሺሕን 184 ከም ዝሞቱ ፀብፃባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይገልፅ።

ልዕሊ 20 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፍዋ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ።

ግብፂ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ናይጀርያን ድማ ደድሕቲ ደቡብ ኣፍሪካ ዝስርዓ ልዑል ቁፅሪ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ዘለወን ሃገራት እየን።

ዛጊድ ኣብ ኤርትራ፣ ሞሪሸስን ሲሸልስን ኩሎም እቶም ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ዝነበረ ሰባት ከም ዝሓወዩ ገሊፀን ኣለዋ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.