Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሓልፉ ሰባት ቁፅሮም ከምዝወሰኸ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሓልፉ ሰባት ቁፅሮም ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ከም ገለፃ እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ንሕልፈት ዝተቓልዑ ሰባት ቁፅሮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብ43 ሚኢታዊ ክብ ክብል ክኢሉ፡፡

ናሚቢያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ቱኒዚያ፣ ኡጋንዳን ዛምቢያን ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ዝሓለፉወን ሃገራት ኢየን ተባሂሉ፡፡

ብዙሓት ሃገራት፥ ኦክስጅን፣ ፅረት ክፍሊታት መከናኸኒ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰብ ሞያን ከምዘለወን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ኣፍሪካ ማትሺዲሶ ሞቲ፥ እቲ ቁፅሪ ርኡይ መጠንቀቕታ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመሳርሒታት መተንፈሲ (ቬንትሌተር)ን ኦክሲጅንን ዝትንፍሱ ሕሙማት፥ “ዴክሳሜታሲን” ዝተብሃለ መድሓኒት ንኽውሰዱ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እቲ መድሓኒት ብፍላይ ብመተንፈሲ መሳርሒታት ዝትንፍሱ ተሓከምቲ ዕድል ሞት ዝንኪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ለበዳ ካብ ዝተወለዐሉ እዋን ኣትሒዙ ልዕሊ 150 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.