Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 1 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 ( ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ ሓደ ሚሊየን ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

22 ሺሕን 114 ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ቫይረስ ኮሮና ካብ ውሽጢ ዝተረኸቦም ሰባት ፍርቂ ዝኾኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ደቢቡብ ኣፍሪካ 538 ሺሕን 184 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትልከፉ፥ 9 ሺሕን 604 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ታንዛኒያ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝወሃብ ሓበሬታ ዝተሓተ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቦ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ዝገልፅ ሳምናታዊ ኣሃዝ እናተሓተመ ከምዘይኮነ እውን ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ጥዕና ታንዛኒያ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ እቲ ቫይረስ ኣብ ምጥፋእ ይርከብ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ብኸምዙይ ዝበሉን ካልኦት ምኽንያታትን፤ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ እኹል ምርመራ ላቦራቶሪ ብዘይምግባሩ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ቁፅሪ ንምፍላጥ ኣይተኽኣለን እናተብሃለ ይርከብ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.