Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልጣፈ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልጣፈ ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህፁፅ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ማይክልራያን፥ እቲ ለበዳ ኣብ ኣፍሪካ ኣዝዩ እናሰፍሐ ምምፅኡ ኣዝዩ ዘሻቕል ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዝያዳ በቲ ለበዳ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪካ እንትትከውን፥  እቲ መጠን ለበዳ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ’ውን ከይረኣይ ስግኣት ኣሎ እውን ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 370 ሺሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትትኮኑ፥ 5 ሺሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እቶም ሓላፊ ህፁፅ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብልዎ፥ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝረኣይ ዘሎ መጠን ለበዳ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ብኣግኡ ዘርእይ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙናት ጥራሕ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 30 ምኢታዊ እዩ ወሲኹ።

ኣብ ኬንያ 31 ምኢታዊ፣ ኣብ ማዳጋስካር 50 ምኢታዊ፣ ኣብ ዛምቢያ 57 ምኢታዊ፣ ኣብ ናሚብያ ድማ 69 ምኢታዊ ወሲኹ እዩ።

ኣብ ኣፍሪካ ዛጊድ 15 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም፤ ኣስተት 725 ሺሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.