Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ 5 ነጥቢ 9 ሬክተር ስኬል ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣስታት 1 ሺሕ ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍጋኒስታን ትማሊ ብዘጋጠመ ልዑል ምንቅጥቃጥ መሬት 920 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 600 ዝኾኑ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፥ ነቶም ዝቘሰሉ ሰባት ሄሊኮፕተራት እናተጠቐሙ ንምሕካም ፃዕሪታት ይገብሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃዕ መሬት ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ፓክቲካን ኮሆስትን ዝዓነዉ ኣባይቲ እውን ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣፈኛ መንግስቲ ቢላል ካሪሚ ኣብ ትዊተር ሒሳቦም፥ ኵለን ትካላት ረድኤት ተወሳኺ ዕንወት ምእንቲ ኸየጋጥም  ጕጅለታት ናብቲ ኸባቢ ንክልእኻ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፥ እቲ ምንቅጥቃዕ መሬት መጠኑ 5 ነጥቢ 9 ሬክተር ስኬል ዓቐን ዘለዎ ከምዝኾነ ድማ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.