Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኤርትራ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገሊፁ።

እቲ 4 ነጥቢ 8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ካብ ከተማ ኣቑርደት ኣስታት 91 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ከምዘጋጠመ ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድን ፀዓትን ክፍሊ ምምሕዳር ጂኦፊዚክ ላባሮቶሪ ተረጋጊፁ ክብል እቲ ዝወፅኣ መግለፂ ሓቢሩ።

በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ሰብ ዝወረደ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየለን እንተኾነ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተፅንዕ ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ከምዘለው ገሊፁ።

ኣብ ኤርትራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ13 ነሓሰ 2018 ካብ ከተማ ባፅዕ ኣስታት 50 ኪሎ ሜትሮ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 4 ነጥቢ 8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.