Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ብቤት ፅሕፈት ብልፅግና ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20ሕዳር፣ 2013ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ብቤት ፅሕፈት ብልፅግና ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ናይ መወዳእታ ልእኽቶ ሳልሳይን ዙር ምኽባር ሕጊ ህልውና ህዝቢ ንብረት ንምድሓን ዝተውሃቦ ዓብይ ጠመተ ብዘሳኽዐ መልክዑ ብዓዎት ምውድኡን ጁንታ ህወሓት ናይ መወዳእታ ድፋዕ ዝነበረት ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ነፃ ምውፅኣ ዓብይ ሓጎስ ተሰሚዑና። ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝተሰምዐ ብስራት ዓዎት ጀግና መከላኸሊ ዘንፀባርቕ ተጋድሎ ብመላእ ህዝብና ዝድነቕ ምርብራብ ዝተረኸበ ምኳኑ ድርብ ዓዎት ይገብሮ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ዓፈና ውሽጢ ኾይኑ መዓልቲ ነፃነቱ ይፅበ ዝነበረ በዚ ከሓዲ ጉጅለ ክውከል ከምዘይደሊ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሕግታት ዓለም ብምጥሓስ ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ቤተ እምነት ከይተረፈ ተሓቢኦም ዝፀንሑ እዞም ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ ናይ መወዳእታ ስራሕ ኣብ ሓፂር ግዜ ክውዳእ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተልእኾ ክተሓባበር ሓደራ ንብል።

እቲ ጁንታ ምጥፍኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ትንሳኤን ዓብይ ብስራትን እዩ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓዎት ህዝብና ስለዝተሓባበረ ዝመፀ ዓዎት እዩ። መፃኢ እዋን ተስፋሕፊሑ ዝፀንሐ ክሕደት፣ በደል፣ ስርቅን እዋን ተዓፅዩ ሓቂ፣ ምግልጋል ህዝቢ፣ ፍትሕን ሓድሽ ምዕራፍ ብልፅግና ዝኽፈተሉ ወርቃዊ ዓብይ ዕድል እዩ። እቲ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዕዳ ኮይኑ ዝፀንሐ ሰራቒ ቀታሊ ዝኾነ ጉጅለ ባዕሉ ብዝጀመሮ ሓዊ ተለብሊቡ ንሓደሳሻዕን ንመወዳእታን ስለዝተቐበረ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ልሙድ መዓልታዊ ናበነርኡ ናብ ልሙድ ክምለስን ከምኡ እውን ብሃገራውንክልላዊ ለውጢ ንቑሕ ተሳትፎ ከቐፅል ፃውዒትና ነቕርብ።

ድሙቕ ዓዎት ንጀግና ሃገር መከላኸሊ ሰራዊትና፤ ዘላቒ ሰላም፣ ምርግጋእን ነፃነትን ንህዝብና፣ ኢትዮጵያ በደቃ ፃዕሪ መስዋእቲ ንዘልኣለም ተኸቢራ በልፂጋ ክትነብር እያ!!

ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ትግራይ
ሕዳር 20፣ 2013 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.