Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን መረፃ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ኣብ እዋን መረፃ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፀዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ መረፃ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ምስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ተዛቲዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ብመንፅር ምኽባር፣ ክኽበር ምግባርን ምምላእ ሓላፍነትን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ እዋን ቅድመ መረፃ፣ መዓልቲ መረፃን ድሕሪ መረፃን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይፍፅሙ ግቡእን ሓላፍነትን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብፍላይ ድማ መሰል ሓሳብ ብናፅነት ምግላፅ፣ ምዝውዋር፣ ምእካብን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን ሓዊሱ ካልኦት ኣብ እዋን መረፃ ትኹረት ዝደልዩ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምርግጋፅ ግደ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ብዝርዝር ተዘቲዩሎም።

መሳርሕቲ ትካላት መኽበርቲ ሕጊ ብግደኦም፥ ስረሖም ሰባኣዊ መሰል ብዝሓለወ መልክዑ ንምትግባር ዘለዎም ቆራፅነት ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ኮሚሽን፥ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ኣብ እዋን መረፃ ዘይሻራዊ ብምዃን ግቡኦም ንኽዋፅኡ፣ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱን ጥሕሰታት እንትህልዉ ድማ ተሓታትነት ንኸረጋግፁን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.