Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን መረፃ ክህሉ ዝግበኦ ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን መረፃ ክህሉ ዝግበኦ ጥንቃቐ ኮቪድ-19 ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ፥ ሲቢክ ማሕበራትን መራኸብቲ ሓፋሽን ተኻፈቲ ኮይኖም።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፥ ኣብ መረፃ ዝግበር ጥንቃቐ መፈፀሚ ዝኸውን ብር 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ከምዘድሊ ብምሕባር ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓቲቱ።

ብፍላይ ኣብ እዋን መረፃ ኣድላዪ ጥንቃቐ እናገበርካ መረፃ ንምክያድ፥ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብን በጀትን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ጣቢያታት መረፃ፥ ካብ መፈፀምቲ መረፃ ብተወሳኺኣካላዊ ርሕቐት ክሕሎ ዝገብሩ ሰባት ከምዘድሊዩ ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብዝወሰኖ መሰረት ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ስለዘለዎ፥ ቦርድ መረፃ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐታትን መበገሲ ሓሳብ መርሃ-ግብሪ ኣተገባብራን ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ዝርከቡ ክልተ ሰሙናት ወይ ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ዘለዉ ክልተ ሰሙናት መረፃ ንምክያድ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ካብ መፋርቕ ወረውሒ ታሕሳስ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ንመፈፀምቲ መረፃ ስልጠና ንመሃብ ከም መበገሲ ተቐሚጡ ኣሎ።

ካብ መፋርቕ ወርሂ ጥሪ ክሳብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ለካቲ ድማ ምዝገባ መረፅቲ ንምክያድ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ተባሂሉ።

ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ምዝግባ ሕፁያት ፓርታት ፖለቲካ ከምኡ እውን ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ክሳብ መረፃ ዝካየደሉ ሰሙን ዘሎ እዋን ድማ ጎስጓስ መረፃ ምክያድ ብዝብል ተቐሚጡ ኣሎ።

ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ጥንቃቐታት ኮቪድ-19 ዝከታተል ግብሪ ሓይሊ ከምዝጠየሽ እውን ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

እቲ መረፃ ዕዉት ንኽኸውን፥ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ገንዘብን ኣካላት ፀፅታን ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ፀዊዐን።

ብምስክር ስናፍቅ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.