Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ምርጫ ፓርቲታት ፖለቲካ ከኽብርዎም ዝግብኡ ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰል ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ እዋን መበል ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ ፓርቲታት ፖለቲካ ከኽብርዎም ዝግብኡ ሽዱሽተ ነጥብታት ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰል ንተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣቕሪቡ።
እቶም ኣጀንዳታት፥ ቃል ኪዳን ጭቡጣት ስጉምቲታት ሰብኣዊ መሰታት፣ ንሰብኣዊ መሰላት ብቖራፅነት ደው ምባል፣ እቲ ምርጫ ንስርዓተ ፆታ ምላሽ ወሃቢ ምዃኑ ምርግጋፅ፣ ቃል ኪዳን ምምሕያሽ ሕጊን ፖሊሲን፣ ናይ ምንቅስቓስ፣ ምውዳብ ሓበሬታ ምርካብን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅን መሰል ምርግጋፅ፣ ካብ ጎንፂ ዘለዓዕሉን ናይ ፅልኣት ዘረባታትን ከምኡውን ብሓይሊ ካብ ዝውሰድ ስጉምቲ ሙሉእ ንሙሉእ ምቑጣብ ዝብሉ ኢዮም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዶክተር ዳንኤል በቀለ፣ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ቅድመ ምርጫ ሰብኣዊ መሰላት እንትጠሓሱ ከምዝነበሩ ብምሕባር ፍትሓውነትን ተኣማኒነትን እቲ ምርጫ ንምርግጋፅ ዝተሓበሩ ሽዱሽተ መሰላት ክኽበሩ ይግባእ ኢሎም።
ምክትል ኣካቢ ቦርድ ምርጫ ኣይተ ውብሸት ኣየለ፥ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል ዘቕረቦም ሽዱሽተ ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰላት ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብቖራፅነት ከኽብርዎም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.