Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራፅ ትንፋስ ከመይ ምክልኻል ይከኣል?

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራፅ ትንፋስ (ስሊፕ ኣፕኖያ) ሰባት ምስ ደቀሱ እቲ ላዕለዋይ ትቦ ኣየር ብምሉእ ወይ ብኽፋል ክዕፀው እንከሎ ዘጋጥም ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልፁ።

ብፍላይ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ዓብዪ ክሳድ ወይ ሓናት ዘለዎም ሰባት ድማ ብቐሊሉ ነቲ ፀገም ክቃልዑ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብ እዋን ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራፅ ትንፋስ (ስሊፕ ኣፕኖያ) ከመይ ምክልኻል ይከኣል?

  • ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ምንካይ
  • ብጎኒ ምድቃስን ፍልይ ዝበለ መተርኣስ ምጥቃምን
  • ምትካኽ ሽጋራ ደው ምባል
  • ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ዘይምውሳድ፤ ብፍላይ ቅድሚ ድቃስ
  • ብሕክምና እንተዘይተኣዚዙ መደቀሲ ክኒና ዘይምውሳድ ዝብሉ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣማራፂታት ኢዮም።

ኣብ እዋን ድቃስ ከቢድ ዝበሃል ምቁርራፅ ወይ ሕፅረት ትንፋስ እንተሊዩ ግን ናብ ሕክምና ምኻድ ከምዝግባእ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.