Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ መፃረዪ ውድድር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብጉያ ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ መፃረዪ ውድድር ተኻይዱ።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ እቲ መፃረዪ ውድድር፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሰበታ ተኻይዱ።

እቲ መፃረዪ ውድድር ብክልቲኡ ፆታ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ 35 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኢዩ።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ።

ኣትሌት ሌሊሳ ደሲሳ ካልኣይ እንትወፅእ፥ ኣትሌት ሲሳይ ለማ፣ ጫሉ ደሶን ክንዴ ኣጣነውን ድማ ካብ 3ይ ክሳብ 5ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ውድድር፥ ኣትሌት ትዕግስት ግርማ ቀዳመይቲ ወፂኣ።

አትሌት ብርሃኔ ዲባባ ሁለተኛ እና አትሌት ሮዛ ደረጃ ደግሞ ሶስተኛ ደረጃን በመያዝ ውድድሩን ፈጽመዋል

ኣትሌት ብርሃኔ ዲባባን ኣትሌት ሮዛ ደረጀን ድማ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣትሌታት ዘይነባ ይመርን ሪታ ኣጋን ራብዐይቲን ሓምሸይቲን ወፂአን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብሓደ ዓመት ተናዊሑ ሎሚዘበን ዝካየድ እንትኸውን፥ ሽሙ እንተይተቐየረ “ቶኪዮ 2020” ብዝብል ክካየድ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.