Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ መስመራዊን መኮንናትን ሰራዊት ምክልኻል ዕብየት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ክፍሊ ሰራዊት ምክልኻል ብኣፈፃፅማ ስረሖም ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡን ፃንሒት ገዚኦም ዝሸፈኑን መስመራዊን ላዕለዎት መኮንናትን ዕብየት መዓርግ ሂቡ።

ኣዛዚ እቲ ክፍሊ ብ/ጀነራል ጌታሁን ካሳዬ፥ “ካብ ሓደ መዓርግ ናብ ካሊእ ዕብየት መዓርግ እንትትሰጋገሩ ድርብ ሓላፍነት እናተቐበልኩም ከምዝኾንኩም ፈሊጥኩም ንትመርሑዎ ክፍሊ ኣብነት ብምዃን ግደ ኣመራርሓኹም ብቖራፀነት ክትዋፅኡ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዕለት ዝተሸሙ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ድማ፥ “እቲ ዕቤት መዓርግ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ዝተውሃበና ዓቢዪ ሃገራዊ ሓደራ ብተኣማንነትን ቆራፅነትን ንኽነገልግል ብዝበለፀ ዘለዓዕለና ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.