Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተመሊሱ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተመሊሱ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተፀጊኑ ናብ ኣገልግሎት ንኽበቅዕ ተገይሩ ኢዩ።

ካብ 9 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ተቛሪፁ ዝነበረ እቲ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተመለሰ ግዜኢ ፀብፂቡ ኣሎ።

ካልኦት ከተማታት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኽረኽባ እናተሰርሐ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሰሙን ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ተረፍ መረፍ ጁንታ ህወሓት ዓዲጉድም ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ኣላማጣ – መኾኒ – መቐለ ኣብ ዝተዘርገሐ ልዑል መተሓላለፊ መስመር ኣብ ዘብፀሑዎ ናይ ምንልሻው ተግባር ኣብ መላእ ትግራይ ኤሌክትሪክ ምቁራፁ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 10 ለካቲት 2013 ዓ.ም ምግላፁ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.