Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ማይጨው ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ክታበት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ክታበት እናተውሃበ ምዃኑ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሆስፒታል ለምለም ካረል ገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ገብረእግዚአብሔር ኪሮስ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ክታበት ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ብተወሳኺ ጎድናዊ ሕማም ንዘለዎምን ዕድመ ዝደፍኡን ክፋላት ሕብረተሰብ እናተውሃቦም ይርከብ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣርባዕተ ቀበሌታት ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ክፋላት ሕብረተሰብ ክታበት ከምዝወሰዱ እቶም መካየዲ ስራሕ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 300 ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ መጀመርታ ከባቢ ዝተወሰኑ ስግኣታት ከምዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ብበዝሒ ክታበት እናወሰደ ከምዝኾነን እውን ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.