Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ቡራዩ ናብ ሸኔ ሎጅስቲክስ ብምቕራብ ኣብ ዝተጠርጠረት ውልቀ ሰብ መንበሪ ገዛ ከቢድ ኣፅዋርን ጠያይትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቡራዩ ናብ ሸኔ ሎጅስቲክስ ብምቕራብ ኣብ ዝተጠርጠረት ውልቀ ሰብ መንበሪ ገዛ ከቢድ ኣፅዋርን ጠያይትን ተታሒዞም።

ብሔራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ዘካየዶ ክትትልን ሓበሬታን ንፖሊስ ኦሮሚያ በዘሃቦ መሰረት እታ ተጠርጣሪት ኣብ ቁፅፅር ንክትውዐል ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ መንበሪ ገዛኣ ብዝተገበረ ተፍትሽ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ነዘንቀሳቀስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምቕባል ኣብ ምድላው ዝነበረ ሓደ ብሬን ምስ  426 ጥይትን 10 ናይ ብሬን ጥይት መቐመጢ ሰንሰለተን ከምኡወን 179 ጠያይቲ ክላሽ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተገበረ ካብ ብሔራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.