Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ኣብ ዝዛመሉ ጉዳይ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኣን ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ኣብ ዝዛመሉ ጉዳይ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።

እቶም ፓርቲታት ኣብ ከተማ ባህርዳርን ወረዳ ዙሪያ ባህርዳርን ዝንቀሳቐሱ እንትኾኑ፥ ኣብ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ተጠርኒፎም ዝተፈላለዩ ልዝባት እናገበሩ ፀኒሖም ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ እውን ሓሙሽተ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝተሳተፉሉ ቅድመ መረፃን መዓልቲ ምድማፅን ከምኡ እውን ድሕሪ መረፃ ዝምልከት ኣብ ከተማ ባህርዳር ዘቲዮም።

እቶም ተወከልቲ እቶም ፓርቲታት ድሕሪ ዘተኦም ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕነት ዝበፅሑሎም ዛዕባታት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ኣይተ የኔሰው መኮነን፥ “ከይዲ መረፃ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ከይዲ ተኸቲሉ ንኽዛዘም እናሰራሕና ንርከብ” ኢሎም።

ኣብ ባህርዳር ተወካሊ መኢኣድ ኣይተ መልኣኩ ብግደኦም፥ ፓርቲታት ኣብ ከይዲ ቅድመ መረፃ ዝተርኣዩ ዝተወሰኑ ፀገማት ተመዓራሪዮም ህዝቢ ብዕቱብ ወፂኡ ዝሳተፈሉ መረፃ ንኽኸውን ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።

ንኣብን ወኪሎም ኣብ ከተማ ባህርዳር ናብ ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ዝወዳደሩ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ፥ እቲ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ተኸቲሉ ንኽሳለጥ ምግባር ካብ ፓርቲታት ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም፡፡

ሕፁይ ተወዳዳራይ ከተማ ባህርዳር ፓርቲ ኢዜማ ኣይተ መንግስቱ ክፍለኣለም ብግደኦም፥ እቶም “ፓርቲታት ሓበራዊ ምርድዳእ ኣብ ዝበፅሑሎም ጉዳያት ተግባራዊ ክገብሩ ኣለዎም” ኢሎም፡፡

“ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መረፃ ድምፂ ህዝቢ ክስዕር ኣለዎ” ዝበሉ ድማ ተወካሊ ኢድሃን ኣይተ ግርማ ተፈራ ኢዮም።

ብምናለ ኣየነው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.