Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልዕሊ 35 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልዕሊ 35 ኩንታል መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እቲ መዓወኒ ሓሽሽ፥ ብኤፍ ኤስ ኣር መኪና ተፃዒኑ እንትዘዋወር ከምዝተትሓዘ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኮማንደር ዳንኤል ኣረጋ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተትሓዘ መዐወኒ ሓሸሽ፥ ሎሚ መዓልቲ ካብ ከተማ ወፃኢ ብዝምልከቶ ኣካል ብግቡእ ኣግባብ ከምዝውገድ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መዐወንቲ ሓሽሻት ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓስን ጥዕና ሕብረተሰብን ከምኡ እውን ኣብ መናእሰይ ልዑል ፅዕንቶ ዘሕድሩ ብምዃኖም፥ ኩሉ ዜጋ መሰል ተግባራት እንትዕዘብ ሓበሬታ ብመሃብ ግቡኡ ንኽፍፅም ፃውዒት ወቀሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.