Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕጊ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ ዝጣሓሱ ልዕሊ 130 ሽሕ ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ አዲስ አበባ ሕጊ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣብ ዝጣሓሱ ልዕሊ 130 ሺሕ ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ እፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ሕጊ ብኣግባቡ ብምቁፅፃር ነበርቲ ካብ ምንግልታዕን ተወሳኺ ክፍሊትን ንምክልኻል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ፈለማ መንፈቕ ዓመት ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖርት ሕጊ ኣብ ዝጠሓሱ ልዕሊ 130 ሺሕን 472 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ምውሳዱኣፍሊጡ።

ብዝተወሰደ ስጉምቲ ልዕሊ ብር 19 ሚሊየን 630 ሺሕ ክእክብ ከምዝተኽኣለ ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ቅፅት ዝተገበረሎም ኣካላት÷ ኣብ ምፅዓን፣ ምኽፋል ልዕሊ ታሪፍ፣ ካብ ዝተመደብዎ ርሕቐት ንታሕቲ ኣቆራሪፆም ብምፅዓን፣ ታፔላ ብዘይምስቃልን ከምኡ ድማ ተተሓሓዝቲ ጥፍኣታት ብምፍፃሞም እዩ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክትትልን ቁፅፅርን እቲ ስራሕ ብቴክኖሎጂ ዝተደፈ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ እቲ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ብትኹረት ከምዝስራሕ ተገሊፁ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.