Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋን ምንካይ ግራምን ባኒ ኣብ ዝገብሩ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ

አዲስ አበባ ፣ መጋቢት 23 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋን ምንካይ ግራምን ባኒ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ።

ቢሮ ንግዲ ምምሕዳ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብዚ ሰሙን ሓደሓደ እንዳ ባኒታት ብዘይ ምንም ምኽንያት ውኽ ዋጋን ምንካይ ግራምን ናይ ምግባሮም ንምፍላጥ ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገም ኣብዘይብሉ እዋን ኣብ ከምዙይ ዓይነት ተግባር ምስታፍ ብሕጊ ዘሕትት ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ብዝገብሮ ክትትልን ብዝረኽቦ ሓበሬታን መሰረት ብምግባር፥ ኣብቲ ተግባር ዝርከቡ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስደሎም ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.