Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገበሩ ልዕሊ 6 ሺሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ተወሲዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ19 ምኽንያት ብምግባር ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ዝገበሩን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተሳተፉን ልዕሊ 6 ሺሕ ትካላት ንግዲ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብቶም 115 ክሲ ቤት ፍርዲ ከምዝመስረተሎም ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዓብዱልፈታ የሱፍ ከምዝገለፁዎ፥ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዉ ስዒቡ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣቐዲምካ ንምትራፍ፣ ምርግጋዕ ዕዳጋን ኣድለይቲ ዘይኮኑ ውኽ እዳጋታት ናይ ምንካይን ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ዝገበሩን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተሳተፉን 6 ሺሕን 165 ትካላት ንግዲን ነጋዶን ሕጋዊን ምምሕዳራዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ 115 ትካላት ንግዲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ተመስሪቱ ጉዳዮም እናተርኣየ እንትኸውን፥ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን መምርሒ ዕድጊትን መሰረት ገይሮም ንግዲ ዘይፍፅሙ ነጋዶ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ዓደግቲ እውን እቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ተግባራዊ ብምግባር ተቓላዕነት እቲ ቫይረስ ብምንካይን ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላውን ክተዓዳደግ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.