Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ እምባ ቴብል ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ታሪኻዊ ህንፃታት ኣዕኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡበ ኣፍሪካ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ጎቦ ቴብል ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ታሪኻዊ ህንፃታት ከምዘዕነወ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ጎቦ ቴብል ዝተልዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ዝተዛመተ እንትኸውን፥ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ነቲ ቀፅሪ ሓዲጎም ክወፅኡ ተገዲዶም።

ትማሊ ረፋድ ዝተቀስቀሰ እቲ ባርዕ ሓዊ፥ ብቕልጡፍ እናተስፋሕፈሐን ኣቢያተ ምግቢ እውን እናዕነወ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ዝርከቡ ታሪኻዊ ኣቢያተ መፃሕፍቲን ህንፃታትን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተሓቢሩ።

ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራትን 120 ሰብ ሞያታት ተቖፃፀርቲ ባርዕ ሓዊን እቲ ባርዕ ንምቁፅፃር ፃዕሪ እናገሩ ከምዝኾኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሄራዊ ፓርክ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ራህዲ ትሑት ምዃኑን ኣብቲ ከባቢ ንቑፃት ቆጥቋጣትቋምህላዎምን እቲ ባርዕ ሓዊ ብቕልጡፍ ንኽስፋሕፋ ከምዝገበሮ ገሊፁ።

እቲ ሓዊ ናይ ባዕሉ ንፋስ ምፍጣሩ እውን ቅልጣፈ ምዝማቱ ክብ ክብል እናገበሮ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.