Fana: At a Speed of Life!

ኣብ  ከተማ ድሬዳዋ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ  ከተማ ድሬዳዋ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍን ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ብምውጋዝን ሰልፊ ተኻይዱ።

ነበርቲ ኣብ ዝሓዝዎ ጭርሖ፥ ”ኢትዮጵያ ስዒራ ንቐፃሊ እውን ክትዕወት ኢያ፣ ንሕና ኣብ ጎኒ ሰራዊትና ኢና፣ ክብርን መጎስን ክቡር ህይወቶም መስዋእቲ ንዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሰላምና ብምሕላው ልምዓትና ክነረጋግፅ ኢና” ዝብሉ መልእኽቲታት ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ”ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ንኹንም፣ ሃገር ብሽርሒ ጁንታ ኣይትፈርስን” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ኣብ  ከተማ ድሬዳዋ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምድጋፍን ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ብምውጋዝን ዝተኻየደ ሰልፊ ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ነበርቲ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.