Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኩባንያታት ፓርክታት ኢንዱስትሪ  ዘጋትምዎም ፀገማት ክቕረፍሉ ኣብ ዝኽእልሉ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኩባንያታት ፓርክታት ኢንዱስትሪ  ዘጋትምዎም ፀገማት ክቕረፍሉ ኣብ ዝኽእልሉ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ፣ ዋና  ኣፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ አቶ ሳንዶካን ደበበ፣ ኣካየድቲ ስራሕን ካብ ፓርክታት ዝተውፃእፅኡ ኣፍረይቲ ሰብ ሃፍቲን ተረኺቦም፡፡

እቲ ዘተ፤ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጰያ ኢንቨስት እንትገብሩ ዝገጥምዎም ፀገማት ንምፍላይን መፍትሕታት ንምቕማጥን ዘኽእል ከምዝኾነ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ተዛሪቦም፡፡

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ አቶ ሳንዶካን ደበበ ብወገኖም÷ እቲ መድረኽ ዘተ ሰብ ሃፍቲ የጋጥምዎም ዘለዉ ፀገማት ብምፍላይ ዘላቒ ፍትሒ ንምሃብ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ  ኣብሪሆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ዘተኣጓጎሉ ፀገማት ብንፁር ንምቕማጥን ብሓባር ብምስራሕ ክልቲኣዊ ረብሓ ጋህዲ ንምግባር ዕዙዝ ጥቕሚ ከምዘለዎ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኣሜሪካ ኣጎዋ ንምዕፃው ዝኸደቶ ዝተጋገየ ኣካይዳ መስተኻኸሊ ንክግበረሉ እናተሰርሐ ከምዝኾ እውን እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ምግላፆም ካብ ልምዓት ኮርፖሬሽን ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.