Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካሊፎርኒያ ንተመዛበልቲ ዜጋታት ዝውዕል ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ውርሒ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እቶት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።

ኣብ ቐፃሊ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝሓዙ ምድላዋት መተኣኻኸቢ እቶት ክካየዱ እዮም ተባሂሉ።

ትማሊ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳን ሆዜ ብምኽንያት ኩናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እቶት 300 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተኣከበ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣብ ከተማ ሳን ሆዜ ዝነብሩ ኢትዮጵያ ዲያስፖራ ኣባላት ማሕበረሰብ  ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ምዃኖምን ንሃገሮም ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ሓዊሱ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ልዕሊ 400 ዝኾኑ ዲያስፖራታትን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.