Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካልኣይ ዙር ፈላማይ ፀወታ ፕሚየርሊ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ እንትዕወት ወልዋሎ ነጥቢ ተማቒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታታት ቀፂሎም ውዒሎም።

ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝተራኸበት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሕታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ተዓዊታ።

በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ሊግ እናመርሓ ምስዝርከባ ጋንታታት ዘለዋ ነጥቢ ምምፅባብ ናይ ፅዋዕ ንሕንሓ ክተስፍሕ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንሰበታ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ክልተ ማዕረ ተፈላሊያ።

መሪሕ እቲ ሊግ ኮይና ፈላማይ ዙር ፀወታኣ ዝዛዘመት ጋንታ ቅዱስ ቂዮርጊስ ኣብ ሜዳኣ ብወልቂጤ ከተማ ናይ 1 ን 0 ስዕረት ኣተኣናጊዳ።

ባህርዳር ከተማ ንክማ ኣባ ጅፋር 1 ን 0፣ ድሬዳዋ ሀተማ ንሃዋሳ ከተማ 3 ን 1 እንትስዕራ፥ ብዙሓት ሽቶታት ዘተመዝገቡሉ ፀወታ ሲዳማ ቡናን ወላይታ ዲቻን ድማ ብዓወት ሲዳማ ቡና 5 ን 3 ተዛዚሙ።

ቀዳም ክልተ ፀወታታት ተካይዶም ኢትዮጵያ ቡና ንስሑል ሽረ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሽቶ 6 ን 1 እንትትስዕር፥ ፋሲል ከነማ ንኣዳማ ከተማ 1 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ካብ ቅዱስ ጊዮርስ ክትርከብ ክኢላ ኢያ።

ንፕሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ብ29 ነጥቢ ቀዳመይቲ ኮይና እንትትመርሖ፥ ቅዱስ ቂዮርጊስን መቐለ 70 እንደርታን ብማዕረ 28 ነጥቢ ብሽቶ ተበላሊፀን ካልአይቲን ሳልሳይቲን ኮይነን ይኽተላ ኣለዋ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.