Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና ከም ዝተረኸበ ሓደ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል ምርምር ዘውፅኦ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝተገብረ መፅናዕቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ክርከብ ከም ዝኸኣለ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና ዘሕድሮ ፀቕጢ ንምፍላጥ ተወሳኺ ምርምር ከም ዘድሊ ተሓቢሩ ኣሎ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ኬንያ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ሞት ልዕሊ 1,700 ሰባት ተመዝጊቡ’ዩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ዘሎ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተረኸበ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ቦትስዋና፣ ዛምቢያን ጋምቢያን እቲ ቫይረስ ዝተረኸበለን ሃገራት ከም ዝኾና ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሰለስተ ሚሊየን በጺሑ።

ቑፅሪ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት’ውን ኣብ ቐዳማይ ዙርያ ለብዒ ካብ ዝነበረ ዝሓሸ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ልዕሊ 39 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ እቲ ትካል ክገልጽ እንከሎ፡ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝበጽሕ ጸቕጢ ንምክልኻል ሕብረተሰብ ነቶም ስጉምታት ምክልኻል ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ከተግብር ኣተሓሳሲቡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.