Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬንያ ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ናብ ደግሲ እቲ ለበዳ ከምርሓ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ኬንያ ኣብታ ሃገር ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ናብ ደግሲ እቲ ለበዳ ከምርሓ ይኽእል እዩ ክብል ስግኣቱ ገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ሙታይ ካግዌ፥ ቅድም ኢሉ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምታት ክፎኽሱ ምስተገብረ ቑፅሪ መልከፍቲ ይወስኽ ኣሎ ኢሉ።

እቲ መልከፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝነበረ 4 ሚኢታዊ ናብ 12 ሚኢታዊ ዓብዩ’ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ብዝሒ ናብ ፅኑዕ ክፍሊ ሕክምና ዝኣትው ሕሙማት’ውን ከም ዝወሰኸ ተገሊፁ።

“ሓድሽ መልከፍቲ ይርኣይ ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። በዚ ናብ ደግሲ እቲ ለብዒ ከምእነምርሕ’ውን ጥርጥር የብሉን” ክብሉ ሓቢሮም።

ብፍላይ ናብ እንዳ መስተን ናይ ፖለቲካ ጎስጓሳትን ዝኸዱ ሰባት ኣካላዊ ርሕቐት ኣብ ምሕላው ኮነ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ምጥቃም ዕሽሽ ይብሉ ብምህላዎም ቑፅሪ መልከፍቲ ከም ብሓድሽ ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኾነ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብ ኬንያ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 44 ሽሕን 881 ክበጽሕ እንከሎ፥ 832 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.