Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ አበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬኢን ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂ ፌዴሬኢን፥ ሴክሬታሪ ዲፓርትመንት ቤት ግምጃ ኣሜሪካ 21 ለካቲት 2012 ዓ.ም (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ28 ፌብሩዋሪ 2020) ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉ ኣኼባ ስዒቡ ዘውፀኦ መግለፂ ፕሬስ ብልዑል ቅርታ ተመልኪቶምዎ ኢዮም።

እቲ ኣኼባ ክካየድ ዝኸኣለ፥ ኢትዮጵያ ንግብፂ፣ ሱዳንን ኣሜሪካን ንኻሊእ እዋን ንኽመሓላለፍ ኣቐዲማ ኣፍሊጣ እናሃለወት ኢዩ።

በዓል ዋና እቲ ግድብ ዝኾነት ኢትዮጵያ፥ ብመሰረት ስምምዕነት መግለፂ መምርሒታት ኣመላልኣ ማይ ማዕረ ማዕረ ህንፀት ናይቲ ግድብ ብፍትሓዊን ምኽንያታዊ ኣጠቓቕማን ከምኡ እውን ርኡይ ጉድኣት ዘይምብፃሕ ብዝብል መምርሒን ክትሰርሕ ኢያ።

ኢትዮጵያ ፈላማይ ምድላው መምርሒን ደምቢን ምልኢትን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ዝግበር ድርድር ተዛዚሙ ኣሎ ዝብል መግለፂ ኣይትቕበልን።

ኣብ ዋሸንግትተን ዲሲ ዓረባዊት ሪፐብሊክ ግብፂ ፈሪማትሉ ዘተብሃለ “ረቂቕ”፥ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ይኹን ውፅኢት ዘተ ጉጅለ ቴክኒክን ሕጊን ኣይኮነን።

ድርድር ጉዳያት ቴክኒክ ይኹን ኣብ ምድላው ማዕቐፍ ሕጊ ዝግበር ድርድር ኣይተዛዘመን።

ኢትዮጵያ፥ ፈላማይ መምርሒን ደምቢን ምልኢትን ኣሳድዳን ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክዳሎ ዝኽእል፥ ብሰለስቲአን ሃገራት ጥራሕ ከምዝኾነ ኣቐዲማ ቅዋማ ገሊፃ ኢያ።

ኢትዮጵያ ግብፂን ሱዳንን ብዝፈልጠኦን ብዝተስማዕማዓሉን፣ ኣብ ስምምዕነት መግለፂ መምርሒታት መምርሒ ዓንቀፅ ሸሞንተ ኩለን ሃገራት ኣድናቖተን ኣብ ዝገለፃሉ ከይዲ መሰረት ብምግባርን ኩሎም ድሕንነታት ግድብ ዝምልከቱ ጉዳያት ዓለም ለኸ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ዝተውሃቡ ምኽረ ሓሳባትን መሰረት ብምግባር ስራሓ ክትቅፅል ኢያ።

ኢትዮጵያ፥ ፈላማይ መምርሒን ደምቢን ምልኢትን ኣሳድዳን ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምድላውን ዝተረፉ መሰረታዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕን ምስ ዓረባዊት ሪፐብሊክ ግብፂን ሪፐብሊክ ሱዳንን ዝጀመረቶ ከይዲ ድርድር ንኸቕፅል ቆራፅ ቅዋም ኣለዋ።

21 ለካቲት 2012 ዓ.ም.፥ አዲስ አበባ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.