Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብን ዝካየድ መረጻን ህዝበ ውሳነን ብሰላም ይሳለጥ ኣሎ – ብርቱካን ሚደቅሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብን ዝካየድ መረጻን ህዝበ ውሳነን ብሰላም እናተሳለጠ ምዃኑ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብርቱካን ሚደቅሳ ገሊፀን።

14 ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ምስ ሰላምን ድሕንነትን ተተሓሒዙ ክካየድ ኣብ ዘይከኣለሎም ክልላት ሎሚ መዓልቲ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ካብ ንጉሆ ኣትሒዙ እናተኻየደ ዝርከብ መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ እናተኻየደ ከምዝኾነ እተን ኣካቢት ገሊፀን፡፡

ብመንፅ ሰላምን ፀፅታን፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ጣቢያ መረፃ ሞያሌ ኣፈፀምቲ መረፃ ብዘቕረቡዎ ስግኣት ፀፅታ መረፃ ከይካየድ ከምዝተገበረን ካሊእ ዘጋጠመ ርኡይ ፀገም ከምዘየጋጠመን እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ክልል ደቡብ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝግበረሎም ከምኡ እውን መረፃ ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ሰላማዊ ከይዲ ከምዘሎ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ከባቢ ጉራ ፈርዳ ኣብ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ምዝገባ መረፅቲ ብዝግባእ ብዘይምክያዱ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሎሚ መዓልቲ መረፅቲ እናተመዝገቡ ድምፂ ንኽህቡ እናተገበረ ይርከብ ኢለን፡፡

እቲ መረፃን ህዝበ ውሳነን ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዘብቲ ውሽጢ ዓዲ እናተዓዘቡዎ ከምዝርከቡ ምሕባረን እውን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.