Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ወይዘሮ ሚስራ ዓብደላን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽ እቲ ክልል ወይዘሮ ኣዲስኣለም በዛብህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልል ተረኺቦም።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣገልግሎት ወለንታ ኩሉ ተፈጥሮ ዝዓደለቶ ሰብ ብገንዘቡ፣ ጉልበቱ፣ ሞይኡን ክእለቱን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣገዳድ ብርእሰ ተበግሶ ዝፍፅሞ ተግባር ምሕጋዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ እዚ ዓመት ጥንኩርን ድሌት ሕብረተሰብ ክምልሱ ዝኽእሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝጅመረሉ እዋን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰርን ፅገና መንበሪ ገዛ ዘኽተማትን ኣካል እቲ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ ከምዝኾነ እውን ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.