Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ወፍሪ ንስራሕቲ ጥፍኣት ዝተዳለዉ ኣፅዋራት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ክላሽን ሓዊሱ መነፀር ዓውደ ኲናት፣ ገንዘብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፣ ወተሃደራዊ ኣልባሳት፣ ገጀራ፣ ሸጓጉጥን በዝሒ ዘለዎም ጠያይቲን ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣይተ ጃብር ኣሊዩ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ 453 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለዉ።

ካብ መንጎ እቶም ተጠርጠርቲ እቶም 212 ኣብ ምርመራ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ እቶም ዝተረፉ ድማ ጉዳዮም ተፃሪዩ ከምዝተሰደዱ ገሊፆም።

እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ጁንታ ህወሓት ርክብ ዘለዎም እዮም ዝበሉ እቶም ምክትል ኮሚሽነር፥ ኣብቲ ዝተገበረ ተፍቲሽ ዝተረኸቡ ልዕሊ 10 ላፕቶፓት ምርመራ ንምግባር ምድላው ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብስም ሓደ ወልቀ ሰብ ጥራሕ ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ሚሊየን በር ኣታዊ እንትግበር ከምዝፀንሐ ዘረድኡ እቶም ምክትል ኮሚሽነር፥ ለዕሊ 20 ደፍተር ባንኪን ቼካተን ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም።

ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተሰናበቱ 22 ኣካላት ስም፣ ስልኪ ቁፅሪን ክታምን ዝዓረፈሉ ሰነድ ከምዝተረኸበ ዝሓበሩ ድማ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምክልኻል ገበንን ቁፅፅር ትራፊከን ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኢንስፔክተር ወንደሰን ካሳሁን ኢዮም።

ኣብቲ ክልል ዘይውለድ ብዘይውለድ ውልቀ ሰብ ስም ሸውዓተ ታሴራ ወፂኡ ከምዝተረኸበ እወን ተዛሪቦም።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.