Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ 35 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ 35 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርህክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ጣሰው ቻለው፥ ኣብቲ ክልል ወረዳ ሶፊ ሓይሊታት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ስራሕ 35 ሸጓጉጢን 2 ከላሽናትን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ነቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ሒዞም ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ያህያ ኣብዱሰላም ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብቲ ክልል እናተለዓሉ ዝነበሩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ኦሮሚያ፣ ፖሊስ ፌዴራልን ክልል ሃረሪን ተዋዲዶም ብዝገበሩዎም ስራሕቲ ኦፕሬሽን እቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን ሓደ ኮምፒተርን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ዝሃወኹን ዕግርግር እናፈጠሩ ዝነበሩን፣ ገበን ፈፂሞም ናብ ትሕቲ ሕጊ ዘይቀረቡ፣ ኣብ ጎንፂ ዝተሳተፉን እናመርሑ ዝነበሩን 50 ተጠርጠርቲ ሕብረተሰብ ብዘሃቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንኽውዕሉ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ሓይሊታት ፅፅታ ብዝፈጠሩዎ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ኣብታ ወረዳ ኢሉ እውን ኣብቲ ክልል ዘተኣማምን ሰልምን ንኽመፅእ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ግደ ስለዘለዎ ኣብ ጎኒ ሓይለሊታት ፀፅታ ጠጠው ከብልን ሓበሬታን ሓገዝን ንኽገብር ብመሰረት ዝተገበረ ፃውዒት ህዝባዊ መድረኻት ከምዝተሳለጡ እቶም ኮማንደር ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.