Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል መረፃ ባህርዳር ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል መረፃ ባህርዳር ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣፄ ቴዎድሮስ 25 ጣቢያታት መረፃ ዘለዋ እንትኾና፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ጣቢያ መረፃ ናውቲ መረፃ ምብፅሑ ትዕዝብቲ ገይሩ።

መተሓባበሪት ክልል መረፃ ባህርዳር ወይዘሮ ማህደር ኣዳሙ፥ ትሽዓተ ፓርቲታት ፖለቲካ ሕፁያቶም ከምዘቕረቡን ሓደ ናይ ውልቀ ተዋዳዳራይ ከምዘሎን ንጣቢያና ገሊፀን።

ኣብ 144 ጣቢያታት መረፃ ኣድላዪ ዘበለ ናውቲ መረፃ እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን መተሓባበሪት፥ “እቲ ዝርገሐ ኣብ ሓፀርቲ ሰዓታት ክዛዘም ኢዩ” ኢለን።

ብምናለ ኣየነው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.