Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንምቕፃል ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ትምህርቲ ንኽቕፅል ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዩኒቨርሲቲታት መቐለን ራያን ተምሃረኦም ዘመረቑ እንትኾኑ፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት እውን ካብ 7 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ትምህርቲ ክጅምሩ ከምዝተገበረ ሚኒስትር ዲኢታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ነባራት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዓዲግራትን ተምሃረኦም ተቐቢሎም ከምህሩ ዝኽእሉሉ ኩነታትን ነተን ትካላት ክግበሩ ኣብ ዝግበኦም ሓገዛትን ዝምልከት ዘተን ክፍፍል ስራሕን ተገይሩ።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፥ ምስ ተምሃሮን ኣመራርሓታት እቲ ዩኒቨርሲቲን እውን ተዛቲዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.