Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ እዋናዊ ኩነታ እቲ ክልል ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ንምሕላው ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሐ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 4 ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ኣብሪሆም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ 40 ዝኾኑ ኣብ ቤት ፍርዲ ተበይኑሎም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ብምፅራሕ፤ 210 ዝኾኑ ድማ ብነብሰ ቅትለት ዝተጠርጠሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይሕጋውያን ንመሓዝ ኣብ ዝግበር ስራሕ ወፃእ እቲ ክልል ኣብ ዘተኣማምን ሰላም ከምዝርከብ ገሊፆም።

መንግስቲ ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ናይ ምጀሕላው ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እቶም ሓላፊ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.