Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከምዝተርኣየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከምዝተርኣየ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ካብ ዝተርኣየለን ክልላት ሓሊፉ  ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ካብ ጂቡቲን ሶማሊያን ዝኣተወ ዕስለ ከምዝተርኣየ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ሕርሻ እውን ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ዝተርኣየለን ከባቢታት ብ13 ኣውሮፕላናት ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል እናካየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዕስለ ኣብ ዝተርኣየሎም ክልተ ክልላት ኣውሮፕላናት ብምውፋር ነፀጋ ኬሚካል ንምጅማር እናሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሺሕ ሊትሮ ኬሚካል ብምጥቃም ነፀጋ እናካየደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብሃይማኖት እያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.