Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ሩባ ኣዋሽ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ 49 ሺሕን 65 ሰባት ጉድኣት በፂሑዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ሩባ ኣዋሽ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ 49 ሺሕን 65 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሖም ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮግራም ውሕስነት ምግብን ምክልኻል ሓደጋን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሮ ኩልሱማ ቡርሃባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ኣብ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣዋሽ ብቀጠናነት ስግኣት ካብ ዝተትሓዛ 17 ወረዳታት እተን 10 ብሓደጋ ውሑጅ ተዕለቕሊቐን።

ብመሰረት እዚ 19 ሺሕን 656 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ብምሕባር፥ ኣብ ልዕሊ እንስሳትን ንብረትን እውን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተዛሪበን።

ብምኽኒያት እቲ ውሑጅ 51 ሺሕን 659 ሰባት ድማ ኣብ ስግኣት ከምዘለዉ ገሊፀን።

ምስቲ ሓደጋ ውሑጅ ብምትሕሓዝ 5 ወረዳታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ምላሽ ከምዝተውሃበን ብምግላፅ፥ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ድጋፍ ናይ ምግባርን ምስ ምክልኻል ሃገር ብምትሕብባር ብሄሊኮፕተር ዝተሓገዘ ነብሲ ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲአን።

ኣብቲ ክልል ምላሽ ዝህብ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ትካላት ግብረ ሰናይን ብምትሕብባር ምግብን ምግቢ ተንከፍን ድጋፍ ይግበር ከምዘሎ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.