Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ልዕሊ 12 ሺሕ ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ተፈቲሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ መጋቢት 27፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ክልል ደቡብ ንልዕሊ 12 ሺሕ ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቕሬታ ምፍትሑ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል ኣይተ ሙሉሰው ዘውዴ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት ብስሩዕን ብፍሉይን ኩነታት ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ህንፀት እቲ ክልል ዝርከቡ 12 ሺሕን 553 ተሃነፅቲ ይቕሬታ ከምዝተገበረሎም ኣብሪሆም።

እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝበሉዎ፥ ብስሩዕ መገዲ መለክዒታት መረፃ ተረባሕቲ ይቕሬታ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ብግቡእ ዝተኣረሙ፣ ዝተሃነፁን ሰናይ ስነ-ምግባር ዘርኣዩን 3 ሺሕን 519 ደቂ ተባዕትዮን 119 ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ምንካይ ማእሰርቲ ዝተገበረሎም ብድምሩ 3 ሺሕን 642 ተሃነፅቲ ተረባሕቲ ኮይኖም ኢዮም።

መንግስቲ እቲ ክልል ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃርን ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይን ብዝብል፥ ብፍሉይ ኩነታት 8 ሺሕን 601 ደቂ ተባዕትዮን 310 ደቂ ኣንስትዮን በድምሩ 8 ሺሕን 911 ተሃነፅቲ ንኽፍትሑ ከምዝገበረ ኣይተ ሙሉሰው ገሊፆም።

ብፍላይ ነብሰፁር ኣዴታት፣ ህፃናት ዘለዉወን፣ ፍሉይ ሕማም ዘለዎም፣ ዕድመኦም ዝደፍኡ፣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑን ኣመክሮኦም ዘቐረበን ውልቀ ሰባት ንኽፍትሑ ከምዝተገበረ ኣብሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.