Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ንዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ስዒቡ ስራሕቲ ምፅራይ ብምክያድ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዶብ ኮንሶን ኣሌን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽኒያት ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ህይወት 21 ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን እውን ከምዘጋጠመ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ እርስቱ ይርዳ ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ከምዝበልዎ፥ መንግስቲ እቲ ክልል ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ስዒቡ ስራሕቲ ምፅራይ የካይድ ኣሎ።

ንምንጋዕ ፀፅታ ምኽኒያት ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ እውን ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣፍሊጦም።

ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ዘጋጠመ ፀገም ተሳተፍቲ ኢዮም ዝተብሃሉ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ተጠርጠርቲ ተሓተት ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ንዘበናት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝብታት ዘይምርግጋዕ ንክፍጠር ዝገብሩ ሓይሊታት እቲ ሕብረተሰብ ከጋልፆም ከምዝግባእ እውን ኣይተ እርስቱ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ናይ ባዕሎም ድልየት መሰረት ብምግባር ኣብ መንጎ ህዝብታት ቅርሕንቲ ካብ ዝፈጥሩ ኣካላት ንገዛእ ርእሱ ንክሕሊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እቲ ከባቢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብምርግግዑ በቲ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም ክብል ቢሮ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝሃቦ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.