Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብ25 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳ ጆር ብ25 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምረቓ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጅሉ ከምኡውን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ተረኺቦም።

ካብ ቀንዲ  መስመር ኤሌክትሪክ ነዝረሓቑ ከባቢታት ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ንምግባር ተሓሳቢ ዝገበረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ድጋፍ ገንዘብ ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ለዕሊ 1 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ብታምሩ ከፈለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.