Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተለዓሉ ዕጡቓት ዓሌት ሙርሌ መጥቃዕቲ ምብፀሖም ኮሚሸን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተለዓሉ ዕጡቓት ዓሌት ሙርሌ ዶብ ሰጊሮም መጥቃዕቲ ምብፀሖም ኮሚሸን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣቡላ ኡቦንግ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ጋምቤላ እዋኑ ሓጋይ ስለዝኾነን እቲ ክልል ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዋሰኖ ዶብ ሰፊሕን ክፍቲ ስለዝኾነን ዕጡቓት ሙርሌ ናይ ምእታውን ምውፃእን ዝንባለ የርእዩ ኣለዉ” ኢሎም።

ዕጡቓት ሙርሌ ትማሊ ዶብ ጥሒሶም ብምእታው ኣብ ዞባ ኑዌር ወረዳ ኣኮቦ ቀበሌ ካባካን ብዝኸፈቱዎ ሃንደበታዊ ተኹሲ ህይት 8 ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሓልፍ፤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት 5 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ብምጥቃም ሰላምን ፀፅታን ናይ ምኽባር ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ እውን ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ብንቕሓት ብምሕላው ንመንግስቲ ግቡእ ሓበሬታ ክገብር ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር፥ ብዝበፅሐ ጉድኣት ሓዘኖም ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዕጡቓት ሙርሌ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዞባ ኑዌርን ኣኝዋክን ኣቲዮም ብዙሓት ህፃናት ዓፊኖም ከምዝወሰዱ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 170 ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈን ልዕሊ 2 ሺሕ ከፍቲ ከምዝወሰዱን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.