Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝርከብ መሕደሪ ታቦት ሜዳ መቻሬ ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝርከብ መሕደሪ ታቦት ሜዳ መቻሬ በዓል ጥምቀት ድሙቕን ፅሩይን ንኽኸውን ዝተፈላለዩ ኣቦታት ሃይማኖትን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ኣብ ዝተረኸቡሉ ወፍሪ ፅሬት ተኻይዱ።

ኣብቲ ወፍሪ ፅሬት ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፥ ኩሎም ሃይማኖታዊ በዓላት ዕዉታትን ድሙቓትን ኮይኖም ንኸሓልፉ ናይ ሓባር ሓላፍነት ክህሉ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ ናይ ኣደባባይ በዓላት ሓደን ቀንዲን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

“እቲ በዓል ናይኩሉ በዓል ኢዩ ዝበሉ” እቶም ምክትል ከንቲባ፥ ኢትዮጵያውያን እቲ ሓደ ናይ ካሊእ በዓል ብድምቀት ናይ ምኽባርን ናይ ምድማቕን ልምዲ ዘለዎም ዘደንቑ ህዝቢታት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብመንፅር ፀፅታ እቲ በዓል ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንኽዛዘም መላእ ነባሪ እታ ከተማ ብዝተለመደ ኢትዮጵያዊ ጭዋነቱ ከሕልፍን ምስ ኣካላት ፀፅታ ብቐረባን ብምትሕብባርን ንኽሰርሕ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.