Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወሎ ናይ ጁንታ መወዳእታ ይቃረብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ 13 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ደቡብ ወሎ ቦሩ ሥላሴ ከባቢ ንጥኣት ተሰሊፉ ዝመፅአ ፀላኢ  ብመከላከያ ሠራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚሊሻን ፋኖን ጥምረት ተፀራሪጉ  ካብ መሳህል ናብ ማርዬ እናተወቕዐ ይሃድም ኣሎ።

ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ብሓደ ጊዘ ወፂኡ ምስ ሰራዊት ብምዃን ከባቢታት እናዓፀወ ነቲ ወራሪ መእተዊን መውፅኡን መእተውን ንከይረክብ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብከባቢ ሃይቅ ዝመፅአ ተወቒዑ ናብ ሱሉሌን ባሶ ሚሌን ከባቢ ይሃድም ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመፅአ ማሕበተረሰብ ምስ ሰራዊት ተዋዲዱ ነቲ ጁንታ እናተኸታተለ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብከባቢ ቆንዲ ናብ ኩታ በር ዝመፅእ ዝነበረ  ናይ ጁንታ ሓይሊ  ብወገን ጦር ተወቒዑ ኣብዝሕኡ ሙውትን ቁሱሉን ከምዝኾነን ዝሃደመ ንምትራፍ ዝተዋደደ ቃልሲ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ትማሊ ብኣንፈ ት ጋሸና ዝመፅአ ፀላኢ እውን ብሰራዊትና ተወቒዑ ዝሞተ ሞይቱ ዝተረፈ ይሐድም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.