Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ሓውዜን 3 ሓናጡ ተወሊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባርነተን ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ቆራሮ ዝኾና ወ/ሮ ማኣዛ ገብረዋህድ ሓጎስ ዝተብሃላ ወላዲት ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን 3 ሓናጡ ተገላጊለን።

ኣብቲ ሆስፒታል በዓል ሞያ ዝተዋደደ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ኣይተ ተኽለማርያም ተ/ማርያም ሓዊሱ ካልኦት ሰብ ሞያ መዋልዳን ብሓባር ብምዃን ብዝገበርዎ ፃዕሪ፥ እተን ወላዲት ናብ 8 ታሕሳስ 2012 ዓም ዘውግሕ ለይቲ ብሰላም ከምዝሓረሳ ተገሊፁ።

ህይወት ወላዲትን ሰለስቲኦም ዕሸላትን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተማልአ ጥዕና ከምዘለዎም እውን ተሓቢሩ።


ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.