Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓዘን 12 ጣቢያታት ብዝተወለዐ ለበዳ ህፃናት ንሞት እናተቓልዑ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ብሄረሰብ ምምሕዳር ዋግ ህምራ ወረዳ ኣበርገለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓዘን 12 ጣቢያታት ብዝተወለዐ ለበዳ ህፃናት ንሞት እናተቓልዑ ስለዝኾኑ መንግስቲ ምስ ዓለም ለኸ ዶብ ዘለል ትካላት ሕክምና ብምዝርራብ ቅልጡፍ ምላሽ ንኽህብ ተሓቲቱ።

መምርሒ ጥዕና እቲ ምምሕዳር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ፥ ኣብቲ ዞባ ትርከብ ወረዳ ኣበርገሌ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓዘን 12 ጣቢያታት ዓይነቱ ዘይተፈለጠ ሓዱሽ ለበዳ ተወሊዑ፡፡

ብዝተወለዐ ለበዳ ድማ ክሳብ ሕዚ ህይወት ትሽዓተ ህፃናት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ፥ ንዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ምሃብ ከምዘይተኸኣለ እቲ ዞባ ኣመልኪቱ፡፡

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዜጋታት ካብቲ ለበዳ ንምድሓን ሓገዝ ምግቢን መድሓኒትን ዝበፅሐሉ ኩነታት ብቕልጡፍ ንኽመቻቾ ምስ ዓለም ለኸ ዶብ ኣልቦ ትካላት ሕክምና ብምዝርራብ ምላሽ ንኽወሃብ እቲ መምርሒ ሓቲቱ፡፡

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣበርገሌ ኣይተ ኣለሙ ክፍሌ ብግደኦም፥ እቲ ለበዳ ኣብዚ ሰሙን 7 ግንቦት ከምዝተወለዐን ካብ ህፃናት ብተወሳኺ ኣረጋውያን እናተተሓዙ ከምዝኾነን ምግላጾም ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.