Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ጉራፈርዳ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልለ ደቡብ ዞባ ቤንች ሸኮ ወረዳ ጉራፈርዳ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ

ስነ ስርዓት ባህላዊ ዕርቀ ሰላም፥ ደም ዝተቐባብኡ ወገናት ዳግም ናብ ጎንፂ ንከይምለሱን ናብ ነባር ሰላምን ሓድነትን ንምምላስ ዘኽአለ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተረኸበ ሰላምን ሓድነትን ብዝበለፀ ዘላቒ ንክኸውን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ግደኦም ንክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ኣብቲ ዕርቀ ሰላም ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ከይዲ እቲ ዕርቀ ሳላም ዝፀንሐ ማሕበራዊ መስተጋብር ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዘኽእለ ኢዩ ኢሎም።

 

ካብ ዱር ዝተመለሱ መናእሰይ ኣብቲ ዕርቀ ሰላም፥ “በዝተሰሓሓተ መገዲ ናብ ዱር ኣቲና ህዝብን መንግስቲን በዲልና ኢና ካብዚ ንደሓር ዝተረኸበ ሰላም ዳግም ካብ ኢድና ንከይወፅእ ብምግባር ንምኽሓስ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም ክብል ደሬቴድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.