Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ንምጥፋእ ህይወት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ምኽንያት ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 54 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ቻብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ንምጥፋእ ህይወት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ምኽንያት ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 54 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ቤንች ሸኮ ኣይተ ፍቅሬ ኣማን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ንሕልፈት 31 ሰባት፣ ዕንወት ንብረትን ጉድኣት ኣካልን መበገሲ ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 54 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሎም።

ካብ ሞንጎ እቶም ተጠርጠርቲ ድማ ካብ ዞባ ክሳብ ጣቢያ ኣብ ዘሎ ውዳበ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ክልተ ኣባላት ፖሊስን ከምዝርከቡዎም ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ብምስታፍ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ እውን እቶም ኣመሓዳሪ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዞባ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 5 ሺሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝተመዛበሉ ዝገለፁ ኣይተ ፍቅሬ፥ ተመዛበልቲ መሊስካ ንምጥያሽ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብመሰረት ዝተገበረ ፃዕሪ ድማ መንግስቲ ዞባን ወረዳን ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብምምዳብ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.