Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ ብር 320 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ልዕሊ ብር 320 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም አቶም ብር 235 ሚሊየን 543 ሺሕን 640 ዝግመት ዋጋ ዘለዎምኣቑሑት ኮንትሮባንድ ናብ ሃገር ከኣትዉ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ክወፅ ክብሉ ዝተትሓዙ ድማ ብር 84 ሚሊየን 543 ሺሕን 640 ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኢዮም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ በጀት ዓመት ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 144 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ተመዝጊቡ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ፣ ድሬዳዋ፣ ሞያሌ፣ ባህርዳር፣ ጋላፊ፣ ፣ ጅማ፣ ኣዳማ፣ ኣዋሽ፣ ኮምቦልቻን ኣሶሳን ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.